Døgnåpen telefon: 

22 48 03 80

Tigrinja/ትግሪኛ

Tigrinja/ትግሪኛ

ግዳይ ዓመጽ ስለ ዝዀንካ እተዛራርቦ ሰብ የድልየካ ድዩ፧

ናይ ኦስሎ ማእከል ህጹጽ ሓገዝን ማእከል ብቕዓትን ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ፡ ነቶም ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መጥቃዕቲ፡ ግህሰት፡ ምፍርራሕ፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወይ ካልእ ዓይነት ዓመጽ ዘጋጥሞም ዘሎ ወይ ዘጋጠሞም ኣንስትን ሰብኡትን ቈልዑን ሓገዝን ደገፍን ይህብ።

ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና። ካባና እዚ ዝስዕብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦

  • ከተዛራረቦ እትኽእል ሰብ
  • መዕቈቢ ዝዀነካ መንበሪ ቤት
  • ምኽርን መምርሕን
  • ግብራዊ ሓገዝ
  • ምስ ጠበቓን ሓገዝ ወሃብቲ ህዝባዊ ትካላትን ንኽትራኸብ ዝግበር ደገፍ
  • ብዛዕባ ዓመጽ ዝምልከት ስልጠና ምክፋል

ዘድልየካ እንተ ዀይኑ፡ ውሑስ ግዝያዊ መንበሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ንዓበይቲ ጥራይን ወይ እውን ቈልዑ ንዘለውዎም ዓበይትን እዩ። ምሳና ክትነብሩ እንተ ዄንካ፡ ንእንስሳ ዘቤትካ እውን ኣብ ውሑስ ቦታ ከነቐምጦ ንኽእል ኢና።

  • ምስጢር ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለና፡ 24 ሰዓት ክፉታት ኢና
  • ኩሉ ኣገልግሎትና ብናጻ እዩ።
  • ካብ ካልእ እተምጽኦ ሪፈራል ኣየድልየካን እዩ
  • ግዳያት ዓመጽ ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ሓደ ቦታ ኣይኰኑን ዝቕመጡ።
  • ኣድላዪ እንተዀይኑ፡ ተርጓማይ ክንጥቀም ንኽእል ኢና

ሓበሬታ እትረኽበሉ መገዲ፦

  • ናይ 24 ሰዓታት ቴሌፎን፦ 22 48 03 80
  • ወብሳይት፦ oslokrisesenter.no